ፀልማት ንምግላህ ኣብ ፀልማት እትበርህ ህይወት መትከል!!

መትከል ካብቶም ትግራይ ንፅባሕ ተስፋ እትገብረሎም ንፍዕቲ ግን ድማ ናይ ፅባሕ ፀልማት ንምግላህ ኣብ ፀልማት እትበርህ ዘላ ዘኽታም ንእስቲ እያ። ሐዚ ኣብ ብጣዕሚ ሓደገኛ ዝኾነ ቦታ (ሃንግ ዝግበረሉ) እትርከብ ኣጉዶ ምስ እነሓጎኣ እነይ ኣኸዛ እያ እትነብር። ሰላምን ድሕንነትን ትግራይ ንምሕላው ቀትርን ለይቲን ፀሓይን ቁርን ከየሰኮኖም ከም ቆቋሕ ነቒሖም ዝሕልዉ ዘለዉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ ኣብዚ ገዛ እዙይ ዓብዪ ሰብኣዊ ስራሕ እናሰርሑ ይርከቡ። ክብሪ ስለዝግበኦም ክብረት ይሃበልና።

0

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *